Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወት 24 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ደቡባዊ ግዝኣት ኬራላ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ብዘስዐቦ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወት 24 ሰባት እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ 66 ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ፡፡

እናተሰርሐ ንዘሎ ስራሕ መድሕን ህይወት ብምኽንያት ምድርማስ ድልድል እያናተኣጓጎሎ ምዃኑ ስዒቡ እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝርከቡ ዜጋታት ንምውፃእ ግዚያዊ ድልድል ንኽስራሕ ሕቶ ከምዝቐረበ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

መንግስቲ ህንዲ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ዘረጋገፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ብግደኦም÷ ንዝተጎድኡ ስድራቤታትን ተጎዳእቲን ካብ 200 ሺሕ ክሳብ 50 ሺሕ ሩፒ ካሕሳ ክኽፈል ኢዩ ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.