Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህልውና ህዝቢ ዝበፅሕ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ብሓባር ክንምክት ይግባእ-ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህልውና ህዝቢ ዝበፅሕ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ብሓባር ክንምክት ይግባእ ክብል ፓርቲ ብልፅግና ገሊፁ።
ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ፅዕንቶ ንምሕዳር ዝተዳለዉ ረቀቕቲ ሕጊታት ኤች ኣር 6600ን ኤስ 1399ን ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።
ኣብ መግለፂኡ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ውሽጢ ጉዳያ ጣልቃ ዝኣትዉ መንግስታት ወፃኢ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት እናተገበረላ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዘብፅሖ ጥፍኣት ኣብ ግምት ዘየእተዉ ዝተወሰኑ ሃገራት ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ተፈፂሙ ብዝብል ሰበብ ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር ይጓየዩ ከምዘለዉ ገሊፁ።
ክሳብ ሐዚ ፅዕንቶ ንምግባር ዝተፈተኑ ፈተነታት ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘለዉ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵዮጵያን ከምኡውን ሓቃዊ ኩነታት ሃገርና ዝተገንዘባ ሃገራት ብሓባር ብዝገበርዎ ኩለ መዳይ ፃዕሪ ብዙሓት ፈተነታት ክኽበሱ ከምዝኸኣሉ እቲ ፓርቲ ኣገንዚቡ።
ሎሚ እውን ነቲ ዝወፅአ ሓዱሽ ረቂቕ ሕጊ ኤች ኣር 6600ን ኤስ 1399ን ዘሕድሮ ፅዕንቶ ብዝግባእ ብምግንዛብ ኢትዮጵያውያን ከምቀደሞም ብሓባር ብምዃን እቲ ረቂቕ ንከይፀድቕ ፅዕንቶ ከሕድሩ ኣለዎም ኢሉ።
መንግስቲ መገዲታት ዲፕሎማሲ ብምጥቃም ናይ ባዕሉ ሓላፍነት ከምዝዋፃእ ዝሓበረ እቲ ፓርቲ፥ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵዮጵያን እቲ ረቂቕ ሰነድ ንከይፀድቕ ምስራሕ ትፅቢት ይግበረሎም ኢሉ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.