Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ልዑል ውፅኢት ዘመዝገበ ተማሃራይ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ተምሃራይ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ  ዝኾነ ዮናስ ንጉሰ ኣብ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ 675 ብምምፃእ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ተማሪት ሄለን በርሀ ካብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ 662 ብምምፃእ ልዑል ውፅኢት ካብ ሞንጎ ዘመዝገቡ ተምሃሮ ሓንቲ ኢያ፡፡

ዮናስ ንጉሰን ሄለን በርሀን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠሙዎም ክልተ ፈተናታት ኮቪድ-19ን ኲናትን ኣብ ትምህርቶም ልዑል ፅዕንቶ አሕዲሩ ከምዝሕለፈ ይዛረቡ፡፡

ኣብዞም እዋናት ዝባኸነ ግዘኦም ብውፅኢት ንምኽሓስ ጠንኪርካ ምስራሕ ከምዝመረፁ ገሊፆም፡፡

እቶም ተምሃሮ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት÷ ብዘመዝገቡዎ ውፅኢት ከምዝተሓጎሱ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ  ኣብ 2016 ዓ.ም ንፈተና ካብ ሞንጎ ዝተቐመጡ 282 ተምሃሮ ብብርኪ ሃገር ለኸ ልዑል ውፅኢት ዝተመዘገበ ብተምሃራይ ዮናስ ንጉሰ ምዃኑ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ ኢዩ፡፡

ውፅኢት ተምሃራይ ዮናስ እውን ክሳብ ሕዚ ካብ ዝነበሩ ውፅኢታት ኩሎም ዝለዓለ ከምዝኾነ ሓበሬታታት የመላኽቱ፡፡

ብሰለሞን ይታየው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.