Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ምክእኣል ሃይማኖት ክህሊ ይግባእ-ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ

ኣዲስ አበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢሉ እውን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ምክእኣል ሃይማኖት ክህሊ ይግባእ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ተዛሪበን።

እተን ንቲባ ኣብ ጃን ሜዳ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ብምርካብ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ኣብ መልእኽተን፥ “በዓል ጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ ጌታ ኣምላኽ ኮይኑ እንተሎ ብፍፁም ትሕትና ብኢድ ወዲ ሰብ ዝተጠመቐሉ ዕለት ንምዝካር ዝግበር በዓል ኢዩ” ኢለን።

እቲ በዓል ሃይማኖታዊ ክብሩ ሓሊዩ ብመዝሙር፣ ኣምልኾት፣ ምክብባርን ኣገልጋላይነትን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኸበረ ሓቢረን።

በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ክምዝተመዝገበ ብምዝኽኻር፥ በዚ ድማ እቲ በዓል ብሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን መላእ ኢትዮጵያን ከምዝተኸበረ ተዛሪበን።

እቲ በዓል ብሰላም ንክኽበር ሓገዝ ንዝገበሩ ኩሎም አመስጊነን።

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.