Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝርከቡ 70 ሺሕ ህፃና ብጥሜት ምኽንያት ሓደጋ ሞት ኣንፀላሊዩዎም ኣሎ – ትካል መድሕን ህፃናት

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራት ትሕቲ በረኻ ሰሃራ ዝርከቡ 70 ሺሕ ህፃና ብጥሜት ምኽንያት ሓደጋ ሞት ኣንፀላሊዩዎም ከምዝርከብ ትካል መድሕን ህፃናት ኣተሓሳሲቡ።

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ስዒቡ ዝተነበሩ እገዳታትን ዝተወሰዱ ስጉምቲታትን ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ስድራቤታት ልዑል ፅዕንቶ መነባብሮ ከምዝፈጠረ ዝሓበረ እቲ ትካል፥ ሃነፅቲ ምግቢታት ንመርካብ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ከምኡ እውን ክባር እናኾነ ምምፅኡ ኣገንዚቡ።

ኣብ ምብራቓዊን ደቡባዊን ኣፍሪካ ኣብ ዝርከባ ትካላት ሕክምና ብኽፅረት ምግቢ ዝሳቐዩ ህፃናት ቁፅሮም እናወሰኸ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።

እቲ ለበዳ ሕማም ቅድሚ ምምፅኡ ኣብ ትሕቲ በረኻ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ብምኽያት ሓደጋ ውሕጅ፣ መፍንቓልን ዕስለ ኣአምበጣን ፀገም ሕፅረት ውሕስና ምግቢ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.