Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃይቲ ብምኽኒያት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ ቁፅሪ ሰባት  ኣስታት 2 ሺሕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሃይቲ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዛጊት ኣስታት  2 ሺሕ ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ’ታ ሃገር ገሊፆም።

ብሰንኪ እቲ 7 ነጥቢ 2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፥ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ከቢድን ፎኵስን ኣካላዊ መጉዳእቲ ከጋጥሞም እንከሎ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ከኣ ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ።

ነቶም ንዝጠፍኡ ናይ ምድላይን ህይወት ናይ ምድሓንን መስርሕ፥ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገራት ካሪብያን ዝሃርም ዘሎ ህቦቡላ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ ይተዓናቐፍ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃይቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህጻናት ብዘይ መጽለሊ፥ ፅሩይ ማይን መግብን ተሪፎም ከምዘለዉ ገሊፁ።

ኣብ ሃይቲ ወኪል ዩኒሴፍ ብሩኖ ማስ ብወገኑ “ብሰንኪ እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝየን ብዙሓት ስድራ ቤታት ኩሉ ዘለወን ነገር ከሲረን እየን። ሐዚ ኸኣ ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ዝናብን ህቦቡላን ናብ ዝኸፈአ ተቓሊዐን ኣለዋ” ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሃይታውያን ብዘይ መጽለሊ ከምዝተረፉ ዝገልጽ ብሩኖ፡ እቲ ሕጂ ዘለዎም ኣማራጺ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ብዝናብ ምጅብጃብ ወይ’ውን ናብቲ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዓነወ ቤቶም ምምላስ ምዃኑ ይገልጽ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.