Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ዓመት 400 ግልጋሎታት መንግስቲ ብኦንላይን ንምሃብ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ 2014 ዓ.ም 400 ኣገልግሎታት መንግስቲ ብኦንላይን ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ገሊፁ።

ኣብ ቲ ሚኒስቴር ብዝማዕበሉ መተግበሪታት ዝወሃቡ 168 ኣገልግሎታት ብኦንላይን ይወሃቡ ኣለዉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ፥ ናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ዜጋታት ኣብ ወረዳን ጣቢያን እውን ቅርታ ዘስምዕሉ ኣገልግሎት መንግስቲ ብዝተቐላጠፈን ተሓታትነት ብዝተማልአን መልክዑ ንምሃብ ዘኽእል ኢዩ ኢለን።

ምንግልታዕ ዜጋታት ንምቕናስን ጊዘን ጉልበትን ንምቑጣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ብኦንላይን ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት 2 ሺሕን 500 ኣገልግሎት መንግስቲ ብኦንላይን ንምሃብ ከምዝስራሕ ተዛሪበን።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመረፁ ኣገልግሎታት መንግስቲ ብኦንላይን ንምሃብ ዘኽእል ስልጠና ንኩሎም ሰብ ሞያ ክፍላተ ከተማ ከምዝሃበ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.