Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ዓመት ብልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ልዕሊ 52 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ክርከብ እዩ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ዓመት ብልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ልዕሊ 52 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ይርከብ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስቴር ሕርሻ፣ ሓለፍቲ ቢሮ ሕርሻ ክልልን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ሽዋ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት እናለመዐ ኣብ ዝርከብ መስኖ ስርናይ ሓጋይ ዑደት ኣካይዶም፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ÷ እቲ ዑደት ሃገር ለኸ ዑደት ምኳኑ ብምግላፅ፤ ሓደ ክልል ካብ ካልእ ዝሓሸ ልምዲ ዝቐስመሉ፣ ተመራመርትን ሙሁራት ዩኒቨርስቲን ድማ ተሞክሮ ዝህብሉን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብመስኖ ስርናይ ሓጋይ ከምዝተሸፈነ ዝተገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ ካብዚ ድማ ልዕሊ 52 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ክርከብ እዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ፍርያት ተኣኪቡ ናብ ዕዳጋ እንትኣቱ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ሃገር እናተርኣየ ዝርከብ ዘይምርግጋእ ዕዳጋ ብዝለዓለ ኩነታት ከምዝፈትሕ ዶክተር ገሊፆም፡፡

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮምያ ጌቱ ገመቹ ብግደኦም÷ ኣብዚ ዓመት ከም ክልል ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብመስኖ ስርናይ ሓጋይ ብምሽፋን፤ ልዕሊ 38 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኩንታል  ፍርያት ንምርካብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበራታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.