Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ሚልየን ብር ኣታዊ ንምርካብ ዓሊሙ ትሰርሕ ከም ዘላ ማልት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መስከረም፣2013 ( ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ 2013 ዓ.ም ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ሚልዮን ብር ኣታዊ ንምርካብ ዓሊሙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጉሎመኸዳ ኣፍሊጡ።

መተሓባበሪ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣይተ ፍፁም ኣብርሃ ከምዝሓበርዎ፥ ኣብ 2013 ዓ.ም ካብ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስታዉን ዘይመንግስታዉን ትካላት፣ መራሕቲ ስድራ፣  ነጋዶ፣ ዝተፈላለዩ ውዳበታትን ብቴሌቶን ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ሚልየን ብር ኣታዊ ንምርካብ እናሰርሑ ከም ዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ነዚ ንክሕግዝ ድማ ክልተ ኮሚቴታት ተጣይሾም ኣብ ምንቅስቓስ ከም ዝርከቡ ዝሓበሩ እቶም መተሓባበሪ፥ ነታ ዝበለፀት ትግራይ ንምጭባጥ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ እትገብሮ ስራሕትን ኣብ ምትእኽኻብ እቶት እጃሙ ብምውፋይ ምዕብልቲ ትግራይ ኣብ ምፍጣር ክረባረብ ፀዊዖም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.