Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ እዋን ክረምቲ 10 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብክላስተር ለሚዑ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን ክራማት እዚ ዓመት 10 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብክላስተር ከምዝለምዐ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ሚኒስቴር ሕርሻ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ዝራእቲ ኢሳያስ ለማ፥ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም 613 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ ከምዝተሓሰበ ገሊፆም፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ 19 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር መሬት ከምዝተሓረሰን እቲ 17 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሄክታር ድማ ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነን ተዛሪቦም፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተዘርአ ዝራእቲ መብዛሕትኦም ዝራእቲ ምግቢ ዝኾኑ ከምዘ ዕፉን፣ ጣፍ ስርናይን መሰል ዝራእቲን ከምዝርከቡዎም ኣይተ ኢሳያስ ተዛሪቦም፡፡

ቅድም ኢሉ ዝተዘርአ ዝራእቲ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ብምሕባር፥ ደንጉዮም ዝተዘርኡ ድማ ኣብ ደረጃ ቡቕሊ ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ሃገር ፅቡቕ ዝበሃል ቀረብ ኬሚካል ከምዘሎ እቶም ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.