Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ በጀት ዓመት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ክዕወት ከምዝኽእል ዝእንፍት ውፅኢት ተመዝጊቡ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዝተተንበየ 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ምዕዋት ከምዝከኣል ዝእንፍት ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ÷ “ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪን ኣገልግሎት ዝተመዘገቡ ውፅኢታት ዝተተንበየ 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ምዕዋት ከምዝከኣል ኣመልኪቱ ኢዩ” ኢለን።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣብ ልምዓት ዝራእቲ ልዕሊ 100 ሚሊየን ኩንታል ከምዝተረኸበ ብምሕባር÷ ካብ ሞንጎ እዚ ስርናይ ልዕሊ 80 ሚሊየን ኩንታል ከምዝተኣከበ ገሊፀን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ፍርያት ሩዝ 38 ሚሊየን ኩንታል፣ ፀባ 2 ቢሊየን ሊትሮ፣ እንቋቖሖ 2 ቢሊየንን ስጋ 200 ሺሕ ቶን ከምዝፈረየ ተዛሪበን።

ኣፈፃፅማ ዓቕሚ ምፍራይ ዘፈር ኢንዱስትሪ 56 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ እውን እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ዓውዲታት ኣገልግሎት፣ ትራንስፖርት፣ ዋሕዚ ቱሪስትን ካልኦት ዓውዲታትን ልዑል ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ገሊፀን፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ 374 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር÷ ብመንፅር ወፃኢ ድማ 495 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ፀሪሐን፡፡

ዝዓበየ ወፃኢ ዝሽፍን ካፒታል ወፃኢ ከምዝኾነን እዚ ድማ 15 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ብፅሒት ከምዘለዎን ኣብሪሀን፡፡

ብኻሊእ መዳይ ካብ ወፃቲ ንግዲ ሸቐጣት 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር፣ ካብ ወፃኢ ንግዲ ኣገልግሎት ድማ 5 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ሓቢረን።

ብሓፈሻ ንዕቤት ማክሮ ኢኮኖሚ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ዕቤት ምምዝጋቡ ስዒቡ ዝተተንበየ 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕቤት ጋህዲ ከምዝኸውን ኣመልኪተን።

ብታሪኩ ለገሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.