Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ቀጣና ዘተኣማምን ሰላም ዝዓሰለ ሓይሊታት ፀፅታን ሕብረተሰብን ተዋዲዶም ብምስርሖም ኢዩ – ጄኔራል ኣበባው ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ቀጣና ዘተኣማምን ሰላም ዝዓሰለ ሓይሊታት ፀፅታን ሕብረተሰብን ተዋዲዶም ብምስርሖም ኢዩ ክብሉ ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ገሊፆም።

ጄኔራል ኣበባውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቀጣናታት ግዳጅን ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ሓይሊታት ፀፅታን ተዓዚቦም።

ጄኔራል አበባው፥ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝነፍስ ኣየር ሰላም ናብ ካልኦት ክልላት በምስፋሕ ኢትዮጵያ ናብ ልምዓት እተሰጋገረሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን ኢሎም።

ብሓፈሻ ሰራዊት ብዝገበሮ ልዑል ቃልሲ እቲ ቀጣና ሰላሙ ዝተረጋገፀ ንክኾን ምብራቕ እዚን ናይቲ ክልል ማሕበረሰብን ፖሊስን ከምኡውን ፖሊስ ፌዴራል ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ብምዃኑ ሃገር ኩሉ ግዜ ከምእትኾርዓሎም ተዛሪቦም።

ኣልሸባብን ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ኣካላትን ተዋዲዶም ብምስራሕ ብዙሕ ግዜ ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም እንተተፈተነ እውን ብሰራዊትን ህዝብን ቃልሲ ድልየቶም ምምካን ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ቀጣና ዘተኣማምን ሰላም ዝዓሰለ ሓይሊታት ፀፅታን ሕብረተሰብን ተዋዲዶም ብምስርሖም ኢዩ ክብሉ ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.