Fana: At a Speed of Life!

ኣብታ መዲና ካብ ሎሚ ጀሚሩ ወፍሪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ንተኸታታሊ 10 መዓልታት ብመልክዕ ወፍሪ ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

እቲ ክታበት ዕድሜኦም 18ን ልዕሊኡን ንዝዀኑ ክፋላት ሕብተሰብ ከምዝወሃብ ቢሮ ጥዕና እታ ከተማ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ዜጋታት ኣብ ቀረብኦም ናብ ዝርከብ ጣብያ ጥዕና ብምኻድ ክታበት ክወስዱ ከምዝኽእሉ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ዮሃንስ ጫላ ኣፍሊጦም።

ካብ ጣብያታት ጥዕና ብተወሳኺ እውን ተባፃሕነት እቲ ክታበት ንምስፋሕ ኣብ ዓበይቲ ዕዳጋታት፣ ሞላት፣ ባንክታት፣ ኣብ መነሃርያ ትራንሰፖርትታት፣ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ካልኦትን ዝተመረፁ ቦታታት ክወሃብ እዩ ምባሎም ካብ ፕሬስ ሴክሬቴሪያት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብደረጃ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ንዝዀኑ ነበርቲ ክታበት ኮቪድ-19 ዝተውሃበ እንትኸውን፥ ን10 መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ክታበት ንልዕሊ 1 ሚሊየን ነበርቲ እታ ከተማ ተረባሕቲ ንምግባር ጉጅለ ክታበት ከምዝተወደበ ዶክተር ዮሃንስ ጫላ ገሊፆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.