ኣብቲ ዝነበረ ኲናት ዝተሳተፈ ኩሉ ዕጡቕ ኣብ መስርሕን ረብሓን ዳግመ ፅንበራ ተረባሒ ከምዝኸውን ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኲናት ዝተሳተፈ ኩሉ ኣባል ዕጡቕ ክልል ትግራይ ኣብ መስርሕን ረብሓን ዳግመ ፅንበራ(DDR) ተረባሒ ከምዝኸውን ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ገሊፆም።
ይኹን እንበር እቲ መስርሕ ብቕደም ሰዓብ ከምዝፍፀም ብምግላፅ፥ ኩሉ ኣባል ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ዝምልከቶ ረብሓ ክረክብ ግድን ምዃኑ ኣብሪሆም።
ነቶም ኣብ ቀደማይ ዙር ናብ ማሕበረሰቦም ዝፅንበሩ ዘለው ኣባላት 60 ሚልየን ዶላር ከምዝተኣኻኸበ አውን ገሊፆም።
ሐዚ ዝወሃቦም ገንዘብ ናብ ሒሳብ ቁፅሮም ከምዝኣቱን ቀፀልቲ ሞያዊ ሓገዛትን ዕድል ትምህርትን ከምዝመቻቸወሎምን ኣረዲኦም።
ኣብ ዝቕፅል እዋን ፋይናንሳዊ ሃፍቲ እንትርከብ ድማ ተወሳኺ ሓገዝ ክግበር እዩ ኢሎም።
ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝግባእ ንክፍፀም ቃልሲ ኩላትና ይደሊ ዝበሉ ኣይተ ተስፋኣለም፥ ነቶም ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰቦም ተመሊሶም እግሪ ንምትካል ጠንኪርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
እቶም ሐዚ ናብ ማሕበረሰብ ዝሕወሱ ዘለዉ እግሪ ንክተኽሉ መንግስቲ ካብ ዝገብሮ ሓገዝ ብተወሳኺ ሰብ ሃፍትን ካልኦት ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ሕብረተሰብን ብዝኸኣሎ ዓቕሚ ክሕግዝን ኣብ ጎኖም ክኸውንን ፃውዒት ኣቕሪቦም።