Fana: At a Speed of Life!

ኣብቲ ናይዚ ሰሙን ወታደራዊ ኦፕሬሽን ዝተደናገፀ ህወሓት ሓገዝ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ተቓወምቲ ናብ ምትእኽኻብ ከምዝኣተወ ፍልፍላት ፋና ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ናይዚ ሰሙን ወታደራዊ ኦፕሬሽን ዝተደናገፀ ህወሓት ሓገዝ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ተቓወምቲ ዝኾኑን ደገፍቱ ክኾኑ ዝኽእሉን ሓይሊታት ናብ ምትእኽኻብ ከምዝኣተወ እሙናት ካብ ፍልፍላት ፋና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብስደተኛነት ዘዋፈሮም ኣባለቱ ብምጥቃም ምስ ሓደ ሓደ ሓይሊታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንምዝታይ ከምዝሓሰበ ፍልፍላትና ገሊፆም።

ኣብ ሱዳን ተሰዲዱ ዝነብር ጄነራል ፍስሃ ዝተብሃለ ሰብ ሳምሪ ንዝበሃል ስኳድ እናሰልጠነ ይርከብ፡፡

ሳምሪ ኣብ ሱዳን ሰልጢኑ ናብ ምዕራብ ጎንደር ንኸኣቱ ዝተዳለወ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ እንትኸውን፥ ዕላምኡ ድማ ንፁሃን ብምቕታልን ራዕዲ ምግዋሕን ከምዝኾነን ክሳብ ሕዚ ብተደጋጋሚ ፈቲኑ ዶብ ጥሒሱ ምእታው ግን ከምዘይተሳኸዐሉ እቶም ፍልፍላትና ሓቢሮም።

ኣብዚ ሰሙን ናይ መራሒ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ሰባትን ጀነራል ፍስሃ ዝበሃል ውለርቀ ሰብን ምስሓደሓደ ሰብ መዚ ሱዳን ዘቲዮም ከምዝነበሩ እሙን ፍልፍልና ገሊፁል።

እቲ ዘተኦም ድማ መጥቃዕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምካት ዘኽእል ሓገዝ ቴክኖሎጂ ንምርካብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓሩ።

ናይ ሱዳን ሰባት እኒ ደብረፂዮን ዝሓተቱዎ ሙሉእ ብሙሉእ ምምላእ ከምዘይኽእሉን ካብ ግብፂ እውን ሓገዝ ንምትእኽኻብ ከምዝፍተን ቃል ኣቲዮም ይብል እቲ ፍልፍልና።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ደቡብ ሱዳን ሪክማቻር ሰባት ንናይ ህወሓት ሰባት ንምዕጣቕን ናብ ጋምቤላ ንምእታውን ኣብ ጁባ ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ፡፡

ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ሓደሓደ ሰብመዚ እታ ሃገር ከምዘለዉዎ እውን እቶም ፍልፍላት ገሊፆም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዘዘራረብናዮ ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣብ ኢትዮጵያ ጀምስ ፒተ ሞርጋን፥ “ከም ደቡብ ሱዳን ምስ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ሰናይ ርክብ ክህልወና ኢና ንደሊ” ኢሎም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ሪክ ማቻር ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይፈልጡ እውን ገሊፆም።

ኣመፅቲ ጋምቤላ ምስ ሓይሊታት ሪክ ማቻር ርክብ ከምዘለዎምን ህወሓት ነዚ ኣጋጣሚ ክጥቀም ከምዝኽልን ከምዝሓስቡ እውን ኣብሪሆም፡፡

“መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ግን ምስ ህወሓት ዝኾነ ይኹን ርክብ የብሉን” ኢሎም፡፡

ደቡብ ሱዳን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ንምእታው ድሌት ከምዘይብላ እውን ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ጉዳይ ሓይሊታት ሱዳን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዘለዎም ኢድ ኣእታውነትን ምስ ህወሓት ዘለዎም ርክብን ንምፅራይ ንኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ንምዝራብ ዝፈተንና እንትንከውን፥ “ኣብ ቀፀልቲ መዓልቲታት መብርሂ ክህብ ኢየ፤ ሕዚ ኣይጥዕመኒን” ዝብል ምላሽ ሂቦምና፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.