Fana: At a Speed of Life!

ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ፋኦ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር መስኖን ከባቢ ቆላን ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ትካል መግብን ግብርናን ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ፋኦ) ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ብቐንዱ፥ ምቕራብ ደገፍ ቴክኒክ፣ ኮሪደራት መስኖ፣ መምርሒታትን ማዕቐፋት ሕጊን ፕሮጀክት ፍላግሺፕ ኣብ ምድላው ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ፋኦ ኣብ ጂ.አይ.ኤስ ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበሩ ስርዓታት ምምሕዳር መረዳእታ ምስቲ ፕሮጀክት ብምውህሃድ ዓቕሚ ምሓዝ መረዳእታ ኣብ ምጉልባት ሓቢሩ ንምስራሕ ምስምዕምዑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ንዲዛይን፣ ህንፀት፣ ኣሰራርሓን ፅገናን መስኖ ከምኡወን ትንተና ኢንቨስትመንት መስኖ ደገፍ ኣብ ምግባር ዝጠመተ ዘተ ከምዝኾኒ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.