Fana: At a Speed of Life!

ኣብራሪ፥ ህይወት 18 ሰባት ካብ መንጎ ዘስኣነ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት ብህይወት ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዋና ከተማ ኔፓል፣ ካትማንዱ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት 18 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ካብ መንጎ እቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ እቲ ኣብራሪ ብህይወት ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

እቲ ኣብራሪ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕክምናዊ ክትትል ይገብር ከምዘሎ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እታ ነፋሪት ካብ መሬት ምስተልዓለት ቅፅበት ናብ የማን ኣብ ምዝዋር እንተላ ብሸነኽ ምብራቕ እቲ መገዲ ኣየር ከምዝተሓምሸሸት ኢዩ ተገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.