Fana: At a Speed of Life!

ኣቤል ያለው ናብ ግብፃዊት ጋንታ ዜድ ኤፍ ሲ ተፀምቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣቤል ያለው ናብ ግብፃዊት ጋንታ ዜድ ኤፍ ሲ ከምዝተፀምበረ ጋንትኡ ኣፍሊጣ።

ካብ ታሕተዋይ ሊግ ብምዕባይ ንፕሪሚየር ሊግ ግብፂ እናመርሐት ትርከብ ጋንታ ዜድ ኤፍ ሲ÷ ንኣቤል ያለው ንምፍራም ምንቅስቓስ እናገበረት ፀኒሓ ነይራ፡፡

ምስ ጋንት ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተረፈ ሓደ ዓመት ኮንትራት ዝነበሮ እቲ ተፃዋቲ÷ ክዛዘም ኣብ ዝቐረበ መስኮት ዝውውር ግብፂ ብዕሊ ናብ ጋንታ ዜድ ኣፍ ሲ ተፀምቢሩ፡፡

በዚ ደማ ካብ ሳላሃዲን ሰዒድ ፣ ሽመልስ በቀለ ፣ ዑመድ ኡኩሪን ጋቶች ፓኖምን ብምቕፃል ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ግብፂ ዝፃወት 5ይ ኢትዮጵያዊ ክኸውን ክኢሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.