Fana: At a Speed of Life!

ኣባይን ዓበይቲ ፍፃመታት ግድብ ህዳሰን

1922 ፦ ኢትዮጵያ ኣቨብ ሩባ ኣባይ ግድብ ንምህናፅ ፈላማይ መፅናዕቲ ዘካየደት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1922 ዓ.ም ነይሩ።

1927፦ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 19 27 ብእንግሊዛዊ ዳህሳሲ ሮበርት ኤርነስት ቺዝ ማን ዝተመርሐ መፅናዕቲ ተኻይዱ ኢዩ።

1958፦ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 19 58 ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ግድብ ንምህናፅ ካሊእ ፈተነ ዝገበረትሉ እዋን ነይሩ። ኣብቲ እዋን ንህንፀት ግድብ ካብ ሞንጎ ዝተመረፁ ኣብ ሓደ ምንቅስቓስ ህንፀት ተጀሚሩ ነይሩ። እቲ ፈተነ ድማ ብኣተዓናቓፋይነት መንግስቲ ብሪታኒያ ፈሺሉ ኢዩ።

2003፦ ድሕሪ እዚ ኩሉ ፃዕሪ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ግድብ ንምህናፅ ቆሪፃ ከምዝተለዓለት ብተግባር ኣርአየት። 24 መጋቢት 2003 ዓ.ም እምነ ኹርናዕ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባ ተነበረ።

2005፦ ግንቦት 2005 ዓ.ም ብምኽንያት ደረጃ ስራሕ ህንፀት እቲ ግድብ ንፈለማ እዋን ኣንፈት ዋሕዚ ሩባ ኣባይ ተቐየረ።

2007፦ መጋቢት 2007 ዓ.ም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ሰለስተኣዊ ናይ መምርሒ ስምምዕነት ተፈረመ።

2012፦ ኢትዮጵያ፥ ሓምሌ 2012 ዓ.ም ኢትዮጵያ 4 ነጥቢ 5 ቢልየን ሜትር ኪዩብ ማይ ብምምላእ ቀዳማይ ዙር ምልኢት እቲ ግድብ ክተዕውት ከኣለት።

2013፦ ነሓሰ 2013 ዓ.ም 13 ቢልየን ሜትር ኪዩብ ምልኢት ማይ ዘዕወተ ካልኣይ ምምላእ ማይ ተኻይዱ።

ሎሚ መዓልቲ 13 ጥሪ 2014 ዓ.ም ድማ 375 ሜጋ ዋት ዘፈልፍል ግደብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፤ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ጀሚሩ ኣሎ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.