Fana: At a Speed of Life!

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ዶን ቤየር ረቂቕ ሕጊ ‘ኤችአር 6600’ ትኽክል ከምዘይኮነን ነቲ ሓሳብ ከምዝቃወሙን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ዶን ቤየር ‘ኤችአር 6600’ ብዝብል ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዝተዳለወ ረቂቕ ሕጊ ዝተሰሓሓተን ነቲ ሓሳብ ከምዝቃወሙን ገሊፆም።

ዶን ቤየር ትማሊ ኣብ ሬስቶራንት ኢትዮጵያ ማክዳ ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኣብ ቀፃሊ ምስቶም ኣባላት ብምትሕብባርን ብምውዳድን ከምዝሰርሒ ተዛሪቦም።

እቲ ረቂቕ ሕጊ ንምፅዳቕ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ሰላም ንምፍጣር፣ ንምኽክርን ሰባት ናብ ሓደ ንምምፃእን ዝበለፀ ኣፀጋሚ ከምዝገብሮ ኢዮም ዝሓበሩ፡፡

ብኣባላት ኮንግረስ ቶም ማሊኖውስኪ፣ ያንግ ኪም፣ ግሪጎሪ ሚክስን ማይክል ማካውልን ዝተሰናደአ ረቂቕ ሕጊ ከይፀድቕ ዝኽእሉዎ ኩሉ ከምዝገብሩ እውን እቶም ኣባል ኮንግረስ ቃል ኣቲዮም፡፡

ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋ ንምውፃእ ምውሳና ኣጥቢቖም ከምዝቃወሙ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ናብቲ ስምምዕነት ንግዲ ንምምላስ ምስ ዋና ኣካላት እናተዘራረቡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.