ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ንሕብረት ኣፍሪካ ቀዋሚ መቐመጢ ኣባልነት ንክወሃብ ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ንሕብረት ኣፍሪካ ቀዋሚ መቐመጢ ኣባልነት ንክወሃብ ተስማዕሚዐን።
እቲ ውሳነ 55 ኣባል ሃገራት ንዘለዎ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ማዕረ ተመሳሳሊ ደረጃ ዝህብ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣባል ጉጅለ 20 ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪካ ርእይቶ ካብ ምሃብ ከምዝተቖጠበት ተሓቢሩ።
ኣቐባሊ ቃል ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ቪንሴንት ማግዌንያ “ዕላዊ መግለፂ ክሳብ ዝወፅእ ርእይቶ ኣይንህብን” ምባሎም ሰንዴይ ታይምስ ፀብፂቡ።
ከም ጀርመን፣ ብራዚል፣ ደቡብ ኣፍሪካን ካናዳን ዝበላ ሃገራት ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝደገፋ እንትኾና፥ መራሕቲ ጉጅለ 20 እቲ ውሳነ ኣብ ጉባኤኦም ከፅድቕዎ ትፅቢት ኣሎ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።