Fana: At a Speed of Life!

ኣባል ሃገራት ኔቶ ንዩክሬን ሓገዝ ኣፅዋር ምክልኻል ሚሳይል ንምሃብ ቃል ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥቅምቲ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣባል ሃገራት ኔቶ ንዩክሬን ሓገዝ ኣፅዋር ምክልኻል ሚሳይል ንምሃብ ቃል ኣቲየን።

እተን ሃገራት፥ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ከተማ ኪቭ መጥቃዕታት ሚሳይል ድሕሪ ምፍፃማ እተን ኣባል ሃገራት ኔቶ ንኪቭ ምዕቡል ኣፅዋር ምክልኻል ኣየር ክህባ ምዃነን ኣፍሊጠን።

ስለዝኾነ ብሪታኒያ፣ ካናዳ፣ ፈረንሳይን ሆላንድን ሚሳይላትን ራዳርን ንዩክሬይን ከም ዝህባ ቃል ከምዝኣተዋ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፥ እቲ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ሕነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሩስያን ክረምያን ዘራኽብ ኣገዳሲ ድልድል ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነ ይገልፁ።

መራሕቲ 50 ኣባል ሃገራት ኔቶ፥ ትማሊ ኣብ ብራስለስ – ቤልጅዩም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ተኣኪቦም ምንባሮም ይዝከር።

ስለዝኾነ ኣሜሪካ ኣቐዲማ ተመሳሳሊ ቃል ክትኣቱ እንከላ፥ ሓደ ካብ ጀርመን ዝመፅአ ላዕለዋይ ስርዓት – ቴክኖሎጂ ድሮ ናብ ዩክረይን በፂሑ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብሪታኒያ፥ ሚሳይላት ምክልኻል ኣየርን ንዓቕሚ ምእካብ ሓበሬታን ሎጀስቲክስን ዩክረይን ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣማኢት ድሮናትን ከተበርክት እያ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ 18 ሆዊትዘር ዝተባሃለ ከቢድ ብረት ከምእትህብ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.