Fana: At a Speed of Life!

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ መፃረዪ መሸጢ ወጋ ነዳዲ ጋዝ ክስማዕማዓ ኣይከኣላን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረብ ሓይሊ ንምዝታይ ዳግም ዝተኣከበ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሕብረት ኣውሮፓ ሕዚ እውን ኣብ መፃረዪ መሸጢ ወጋ ነዳዲ ጋዝ ክስማዕምዑ ከምዘይከኣሉ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መሸጢ ዋጋ ቀረብ ጋዝ ሕብረት ኣውሮፓ ብሜጋዋት ካብ 275 ዩሮ ናብ 220 ዩሮ ብሰዓት ንምንካይ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡

ይኹን እምበር እዚ ዋጋ ሕዚ እውን ካብ ዓለም ለኸ መሸጢ ዋጋ ናይ 35 ዩሮ ኣፈላላይ ኣለዎ ተባሂሉ።

ብካሊእ መዳይ 12 ኣባል ሃገራ እቲ ሕብረት በቲ ቤት ምኽሪ ዝቐረበ ዋጋ ኣዚዩ ክባር ስለዝኾነ ካብ 160 ዩሮ ንታሕቲ ብዝኾነ ዋጋ ንኽሽየጥ ድልየተን ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ሓበሬታ ዕላዊ ዝገበሩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሃንጋሪ ፒተር ሺጃርቶ ከምዝበሉዎ ዋላኳ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ሰፊሕ ክትዕ ዘተኣናገደ ይኹን እምበር ኣብቲ ጉዳይ ስምምዕነት እንተይበፅሐ ተበቲኑ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.