Fana: At a Speed of Life!

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ንዘካየደቶ ምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝውዕል 19 ቢሊየን ብር ድጋፍ ከምዝገበራ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ንዘካየደቶ ምክልኻል ቫይረስኮሮና ሕብረት ኣውሮፓን ኣባል ሃገራትን 19 ቢሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝበሎ፥ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንዘስዓቦ ቅልውላው ዝውዕልን እተን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ሽርክና ዘረጋግፅን ደገፍ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ 487 ሚሊየን ዩሮ ወይ 19 ቢሊየን ብር ሓገዝ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ መጠን ገንዘብ ስርዓት ጥዕና ኢትዮጵያ ንምጥንኻር፣ ኩዋራንታይን ንምድላው፣ ማሕበራዊ ድሕንነት ንምጥንኻርን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምድጋፍን ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮፓን ኣባል ሃገራትን ንኢጋድ ክሳብ ሐዚ 60 ሚሊየን ዩሮ ደገፍ ምግባሩ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.