Fana: At a Speed of Life!

ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ተዳራዳሪ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ መሓዙት ልምዓት ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል ሓምሻይ ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ትካል ንግዲ ዓለም ንምስታፍ ናብታ ሃገር ዘቕነዐ ብሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ተዳራዳሪ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ መሓዙት ልምዓት ይዝቲ ኣሎ።

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያኦም÷ ሎሚ ዕለት ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ካብ ተካይዶም ስራሕቲ ተተሓሒዙ ድገፍ ኣብ ዘድልዩ ጉዳያት ምስ መሓዙት ልምዓት ውፅኢታዊ ዝኾነ ዘተ እናገበርና ንርከብ ኢሎም፡፡

እቲ ዘት ትማሊ ካብ ዝተኻየደ መበል ሓምሻይ ጉጅለ ስራሕ ድርድር ዝቐፀለ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ባንኪ ዓለምን ኣውሮፓን ሓዊሱ ሕንዲ ፣ ቻይና፣ ፈንድ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓን ማእኸል ንግዲ ዓለም ለኸን ኣብቲ ከይዲ ኣድላይ ደገፍ ፋይናንስን ቴክኒክን ከምዝገብራ ምርግጋፆም ገሊፆም፡፡

እቲ መድረኽ ድሕሪ ሰዓት ቐፂሉ ከምዝካየድ ኣረዲኦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.