Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ሰላምን ፀጥታን እታ መዲና ንምሕላው ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ምህላዎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራሓን ኣባላትን ፖሊስ ፌደራል ኣብ ዝፈላለዩ ግምባራት ካብ ዝገብርዎ ቃልሲ ብተወሳኺ እታ ከተማ ካብ ተለኣኣኽቲ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕድን መሻርኽቱን ንምሕላው ይሰርሑ ምህላዎም ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ተለኣኣኺኡ ሸኔን ንምድምሳስ ካብ ዘካይድዎ ወፍሪ ህልውና ብተወሳኺ ሰላምን ፀጥታን ኣዲስ ኣበባ ካብ ሓይልታት ጥፍኣት ንምሕላው ለይትን ቀትርን እናሰርሑ ምዃኖም ኣብሪሆም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ዝወረሮም ከባብታት ለቒቑ ክሳብ ዘይወፅአ እቲ ወፍሪ ህልውና ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝተዛረቡ እቶም ኣመራርሓታትን ኣባላትን፥ ንዕውትነት እቲ ወፍሪ ድማ ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉዋት ምዃኖም ገሊፆም።

ሕብረተሰብ ንሓይልታት ፀጥታ ዝብሮ ድጋፍ ንፀጥታ እታ ከተማ ዕዙዝ ምዃኑ ብምሕባር፥ ነዚ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፀዊዖም።

“በቲ ግብረ ራዕዲ ዝተኸፈተ ወራር ብምምካት ሃገርና ዝጀመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ንምቕፃል ኣጠናኺርና ንሰርሕ ኣለና” ምባሎም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.