Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ፖሊስ ወዲቑ ዝረኸብዎ 3ሽሕ 900 ዶላር ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ወዲቑ ዝረኸብዎ 3 ሽሕን 900 ዶላር ኣሜሪካ ኣረኪቦም ክብል ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ምክትል ኢንስፔክተር ዘነበ እሸቱ፤ ምክትል ኢንስፔክተር ዳግም ግርማን ዋና ሳጅን ኣለምነሽ ግርማን ዝተበሃሉ ኣባላት ጣብያ ፖሊስ ከባቢ ኣቃቂ ኣብ ስራሕ እናሃለዉ ኣብ ጓሓፍ ዝሓዘ ፌስታል ዝተጠቕለለ 1 ሽሕን 900 ዶላር ረኺቦም ንጣብያ ፖሊስ ከባቢ ኣቃቂ ኣረኪቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ምክትል ሳጅን ብርቱ ሙዳ÷ ኣብቲ ከባቢ ጣብያ ፖሊስ እንትንቀሳቐስ ኣብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ዝተፀቕለለ 2 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ረኺባ ንጣብያ ፖሊስ ከምዘረከበት ተገሊፁ፡፡

እቶም ኣባላት ብቕንዕናን ብእምነትን ግልጋሎት ምሃብ መንግስትን ህዝብን  ዝወሃቡና ሓደራ እዩ ዝበሉ እንትኾኑ÷ ብዝገበርዎ ፅቡቕ ተግባር ሕጉሳት ከምዝኾኑ ወሲኾም ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ተመሳሳሊ ስራሕ ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ድሉዋት ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.