Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ጉጅለ ሙዚቃን ቴኣትርን ኖርዲክ ብላክ ስራሕቶም ኣብ ኢትዮጵያ ከቕርቡ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)28 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ሙዚቃን ቴኣትርን ኖርዲክ ብላክ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣቀባብላ ዝገበረሎም አእንትኸውን÷ ሚኒስትር ናሲሴ ጫሊ ኣብቲ እዋን “ኣባላትን ኣርቲስታትን እቲ ጉጅለ ናብ ኢትዮጵያ ምምፀኦም ኣብ ሞንጎ ኖርዌይን ኢትዮጵያን ልውውጥ ባህሊ ንምጥንኻር ዝሕገዝ ኢዩ” ኢለን።

ካብዚ ብተወሳኺ ዓውዲታት ቱሪዝምን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ዓብዪ ዕድል ከምዝህልዎ ገሊፀን።

ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም ሌንሳ መኮንን ብግደአም፥ መሰል መርሃ ግብሪታት ምስንዳእ ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ዓብዪ ዓቕሚ ከምዝፈጥር ገሊፆም።

እቶም ልኡኻን ናይ 10 መዓልቲ ፃንሒት ዝህልዎም እንትኸውን፥ ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ኣሊያንስ፣ ብሄራዊ ቴኣትር፣ ኢትዮ- ፍራንስን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ህይወት ታሪኽ ማያ ኣንጄሎ ዘድህብ ሙዚቃዊ ተዋስኦ ከቕርቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ብመራኦል ከድር

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.