Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮፓ ዘቕረቦ ረቂቕ ውሳሳ ንኸፅነዖ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣባባ፣ 28 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኣባላት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘመሓላለፎ ረቂቕ ውሳሳ ደጊሙ ንኽሪኦ ሓቲቶም።

እቶም ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ፥ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ዝምልከትን ምስ እዋናዊ ኩነታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ተተሓሒዙ ሕብረት ኣውሮፓ ዘመሓላለፎም ውሳነ ሓሳባት ዳግም ክሪኦ ከምዝግባእ ኢዮም ብደብዳበ ሓቲቶም ዘለዉ፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ዝተመልከቶም ረቀቕቲ ውሳነታት ትኽክል ከምዘይኮነን እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ከምዘይስማዕዑሎምን ብደብዳበኦም ገሊፆም።

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እናተፈፀመ ዝርከብ ግፍዒን ምቕታል ንፁሃን ዜጋታትን ኮነ ኢልካ ሸለል ብምባል፥ ብኣንፃሩ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ጥራሕ ምዝታዩ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቀውሲ ኣብ ሓንቲ ክልል ጥራሕ ዝተፈጠረ ከምዘይኮነ እውን ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓረስቶት ትግራይ እዋናዊ ስራሕቲ ሕርሻ ክሰርሑ ንምሕጋዝን ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታውን በይናዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ቶኽሲ ከምዝገበረ ዝገለፁ እቶም ኣባላት ዳያስፖራ፥ ሰራዊት ኢትዮጵያ እቲ ከባቢ ለቒቑ እንትወፅእ ክፍተት ብምጥቃም እቲ ጉጅለ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ኣገንዚቦም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕቲ ብምፍናው መሰረተ ልምዓታት ከምዘዕነወን ህይወት ንፁሃን ሰባት ከምዘሕለፈ ገሊፆም፡፡

ይኹ እምበር እቲ ሕብረት ኣብ ረቂቕ ውሳንኡ ብዛዕባ እቶም ቦታታት ከምዘይፀርሖም እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ኣብሪሆም፡፡

ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ዴሞክራሲያዊ መረፃ፥ ሃገራዊ ምይይጥ ፖለቲካ ንምቕፃል እናተገበረ ዝርከብ ፃዕሪ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ከምዝተመረፀ ኣብ ደብዳበኦም ከምዘመላኸቱ ካብ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.