ኣባላት ዲያስፖራ ተወለድቲ ጋምቤላ ብፀገም ፀጥታ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ኣካላት ፀጥታ ደገፍ ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ዲያስፖራ ተወለድቲ ጋምቤላ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ብዝነበረ ፀገም ፀጥታ ጉድኣት ንዝበፅሖም ኣካላት ፀጥታ ደገፍ ገይሮም።
መተሓባበሪ እቲ ደገፍ ኢንጂነር የን ሪያንግ፥ እቲ ደገፍ ልዕሊ 100 ሽሕ ብር ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ክልል ዝግበሩ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ብንቕሓት ከምዝሳተፉ ሓቢሮም።
ኣባላት ፀጥታ ክብሪ ሃገሮም ብምቕዳም ንዝኸፈልዎ መስዋእቲ ብኽብሪ ክዝከሩ እዮም ምባሎም ካብቲ ክልል ኮሙኒኬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዲያስፖራ እቲ ክልል ኣይተ ኦኬሎ ኮም ብደኦም፥ እቶም ኣባላት ዲያስፖራ ደገፎም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ፃዊዒት ኣቕሪቦም።
ስድራ ጉድኣት ዝበፅሖም ኣካላት ፀጥታ ድማ ንዝተገበረሎም ሓገዝ ንኢዶም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።