Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሊግ ደቂ ኣንስቲዮ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ይዛተያ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሊግ ደቂ ኣንስቲዮ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ይዛተያ ኣለዋ።

ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ኣኼባ፥ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ዓመተ 2012 ብምክያድ መበገሲ ትልሚ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ብዝምልከት እውን ልዝብ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ረቂቕ መምርሒ ኣተኣኻኽባ መዋጮ ኣባላት እቲ ሊግ ብዝምልከት እውን ዘተ ብምግባር ክፀድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ኩለመዳይ ስራሕቲ እቲ ሊግ ዝድግፍ ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ናይ ምጥያሽ ሓሳብ እውን ኣብቲ መድረኽ ከምዝረኣይ ተሓቢሩ።

እተን ኣባላት ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘተኣኻኸብኡ ናውቲታት ምግቢ፣ ክዳውንቲ ወዘተ ኣብ ከተማ ሻሸመኔን ኣሩሲ ነጌሌን ጉድኣት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስቲዮ ድጋፍ ከምዝገብራ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.