Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ኣብ ምጥንኻር ህብረ ብሄራዊነት ክሰርሑ ይግባእ – ኣፈ ጉባኤት እቲ ቤት ምኽሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ኣብ ምጥንኻር ህብረ ብሄራዊነትን ምኽባር ሕገ-መንግስቲን ክሰርሑ ከምዝግባእ ዋና ኣፈ ጉባኤት እቲ ቤት ምኽሪ ወይዘሮ ባንቻየሁ ድንገታ ገሊፀን።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተመሓየሸ ኣሰራርሓን ደምቢ ስነምግባርን ኣባላት ብምትኳ ኣብ 6ይ መረፃ ዝተመረፁ ኣባላት ስልጠና ይህብ ኣሎ።

ኣብቲ ስልጠና ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ወይዘሮ ባንቻየሁ ድንገታ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ቤት ምኸሪ ክልል ዝተውሃቦ ሓደራ ህዝቢ ብግቡእ ንምውፃእ ዝተመሓየሸ ኣሰራርሓን ስነምግባር ኣባላትን ተግባራዊ ብምግባር ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ህዝቢ ዝተውሃቦም ሓደራ ብዕቃብ ካብ ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ብምርሓቕ መሪሕ ኮይኖም ክሰርሑ ኣለዎም ኢለን።

እቲ ስልጠና ን2 መዓልቲታት ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ዝተመሓየሸ ደምቢ ኣሰራርሓ ኣባላትንስነ ምግባርን ሰነድ ቀሪቡ ልዝብ ክግበረሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.