ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እምነት እንትስእኑ ውክልነኦም ዝለዓለሉ ረቂቕ መምርሒ ተሰናዲኡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዝመረፆም ህዝቢ እምነት ኣብ ዝስእኑሉ እዋን ውክልነኦም ኣብ ዝለዓለሉ ከይዲታት ዘድሀበ ረቂቕ መምርሒ ተሰናዲኡ።
ዜጋታት ብዝመረፁዎ ተወካሊኦም እምነት ዝስእኑ እንተኾይኖም ሕቶ ይውረደልና ከቕርቡ ዝኽእሉሉ ረቂቕ መምርሒ ምስ ኣመራርሓታት ፖለቲካ ፖርቲ ዘተ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብቲ እዋን ዘተ ዝቐረበ ረቂቕ መምርሒ ወሰን ተፈፃምነት ድማ ህዝቢ ንኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራልን ክልልን ብዝመረፁዎ ተመራፂ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ናይ ይውረደልና ሕቶ እቲ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝተመረፀሉ ዓመትን ኣብ መወዳእታ ዓመትን ክቐርብ ከምዘይኽእል እውን ተሓቢሩ።
ይኹን እምበር ተቐባልነት ኣብ ዝረኽበሉ ፍሉይ ኩነታት ጥራሕ ኣብ ፈላማይ ዓመት ብተወካሊኡ ሕቶ ይውረደልና ምቕራብ ከምዝከኣል ኣብቲ ረቂቕ መምርሒ ተፀሪሑ።
ረቂቕ መምርሒ እቲ ቦርድ ኣብ 7 ምዕራፋትን 41 ዓንቀፃትን ዝተወደበ ኢዩ ተባሂሉ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com