Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ባይቶ ካብ ልዕሊ 127 ሺሕ ጣቢያታት ዝኣከብዎም ሕቶታት ንትካላት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ካብ 127 ሺሕን 277 ጣቢያታት ዝኣከብዎም ሕቶታት ንትካላት ኣቕሪቦም።

ኣፈፀምቲ ኣካላት ንሕቶታት ህዝቢ ጠመተ ብምሃብ ንክሰርሕ እቲ ባይቶ ኣተሓሳሲቡ።

ካብ ህዝቢ ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ሚኒስቴራት መብርሂ ተዋሂቦም።

ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ ዝተመረፁ ከባቢታት ብምውራድ  ካብ 127 ሺሕን 277 ጣቢያታት ዝኣከብዎም ሕቶታት ነቶም ትካላት ኣቕሪቦም።

ሰእነት ሰላም፣ ፀገም ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት፣ ምጉዳት ህንፀት መሰረተ ልምዓታት፣ ሕቶታት ህዝቢ ዘይምድማፅ፣ ዝበሃልን ኣብ ባይቶ ዘሎን ምፍልላይ ዝብሉ እቶም ቀንዲ ቀንዲ ሕቶታት ኢየን።

እቶም ሕቶታት ብሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፣ ሚኒስትር ግብርና ግርማ አመንቴ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ መበርሂን ምላሽን ሂቦም።

ሚኒስትር ተፀዋዒ መንግስቲ እቲ ባይቶ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፥ ንሕቶታት ህዝቢ ምምላስ መንግስቲ ጠመተ ብምሃብ ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.