ኣባላት ሰብ ሞያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን መዳርግቲ ኣካላትን እናተዛተዩ ከምዝኾኑ መንግስቲ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ሰብ ሞያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ግቡእ ምስ ዘለዎም መዳርግቲ ኣካላትን እናተዛተዩ ከምዝኾኑ መንግስቲ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።
ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዝተፈጠረ ጎንፂ ዘጋጠሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንኸፃሪ ዘጣየሾ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሃገርና ዕድል ምትሕብባ ኣመልኪቱ ልዝብ ንምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ።
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዝተፈጠረ ጎንፂ ዘጋጠሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተፈጠረ ጎንፂ ዘጋጠሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘፃሪ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኣጣዪሹ ኢዩ። መንግስቲ ፌዴሪኢ እቲ ኮሚሽን ዝተጣየሸሉ ከይዲን ዝተውሃቦ ሓላፍነትን ግልፅት ዝጎደሎ፣ ግቡእ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ቅኒት ዘለዎን ቅድሚ ሕዚ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዝገበሩዎ ምርመራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምኡ እውን ምኽረ ሓሳብ ውፅኢት ምርመራ እቲ ሓበራዊ ጉጅለ ተግባራዊ ንምግባር መንግስቲ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ብግቡእ ተሓሳቢ ዝገበረ ከምዘይኮነ ብምሕባር ተቓውሙኡ ገሊፁ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡
ብመሰረት እዚ መንግስቲ ምስቲ ኮሚሽን ከምዘይተሓባበር ገሊፁ ከምዝነበረ ይዝከር። ይኹን እምበር ምስ ኣባላት እቲ ኮሚሽንን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ቅድሚ ሕዚ ብዝተገበሩ ልዝባት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተጣየሸ ኮሚሽን ሓላፍነቱ እንትዋፃ መሰረታዊ ቅዋም መንግስቲ ብዘገናዘበ ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ስርዓት ሰብኣዊ መሰል ብሄራዊ ስርዓት ሕጊ ደጋፊን መማልኢን ኮይኑ ክረአ ከምዘለዎ ዘገንዝብ መምርሒ ኣማላኣይነት (principle of complementarity) ብዘኽበረ፣ ግቡእነት ምስ ዘይብሎም ፖለቲካዊ ድሌታት ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብጥምረት ዝገበሩዎ ምርመራ ዘይግምግምን መንግስቲ ተሓታትነት ንምዕሳል እናወሰዶም ዝርከቡ ስጉምቲታት ብዘየተኣጓል መገዲን ዝንቀሳቐስ እንተኾይኑ፥ ኣብ ዝርዝር ማዕቐፍ ኣንፈታት ምንቅስቓስ (modalities of engagement) ምስምዕማዕ እንተተኻኢሉ ምስቲ ኮሚሽን ናይ ምትሕብባር ጉዳይ መሊሱ ንኽሪኦ ዕድል ከምዘሎ ተገሊፁ። ብመሰረት እዚ ኣብ ጄኔቫ ዝተጀመሩ ልዝባት ንኽቕፅሉ ኣባላት እቲ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ግቡእነት ምስ ዘለዎም መዳርግቲ ኣካላትን እናተዛተዩ ይርከቡ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com