Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል መዓልቲ ሰንደቅ ዕላማ ኣኽቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል መበል 15 በዓል መዓልቲ ሰንደቅ ዕላማ ኣኽቢሮም።

እቲ መዓልቲ ጦር ሃይሎች ኣብ ዝርከብ ቀፅሪ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ዝተኸበረ እንትኸውን÷ ሚኒስትር ዲኤታ ምክልኻል ወይዘሮ ማርታ ሊዊጂን ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻልን ተረኺቦም።

ሓላፊ መምርሒ ትምህርቲን ስልጣናን ሚኒስቴር ምክልኻል ሌተናል ጄነራል ይመር መኮንን÷ ጥንታውያን ኣቦታና ብቅብብል ወለዶ ዝኸፈሉዎ መስዋእትነት ሰንደቕ ዕላማና ክብ ኣቢሎም ከምዘፅንሑዋ ገሊፆም።

ናይ ሕዚ ወለዶ እውን ዶብ ሃገር ኣብ ምኽባር ዘኹርዕ ስራሕ ከምዝሰርሐ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ቀፃሊ እውን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉው ኢዩ ክብሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.