Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ፕሮጄክት ዜሮ ዜሮ ዓድዋ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝስራሕ ሙዚየም ፕሮጄክት ዜሮ ዜሮ ዓድዋ ዑደት ኣሳሊጦም።

ፕሮጄክት ሙዚየም ዜሮ ዜሮ ዓድዋ ኣብ 3 ነጥቢ 3 ሄክታር መሬት ዝዓረፈን በዓል ሓሙሽተ ደብሪን ፕሮጀክት እንትኸውን፥ ዓወት ዓድዋ፣ ንጀጋኑ ኢትዮጵያውያንን ኣቀማምጣ መሬት ዓድዋን ብዝውክል መልክዑ እናተሃነፀ ይርከብ።

ብዜሮ ኪሎ ሜትሮ መበገሲ ዓድዋ ዝተሰየመ እቲ ሙዚየም፥ ማእኸል መበገሲ ሓድነት ተገይሩ ከምዝቑፀርን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ክዛዘም ትፅቢት ከምዝግበርን ተሓቢሩ።

እቲ ሙዚየም፥ ፅባቐ ጎቦታ ዓድዋ ዝገልፅ፣ ንኽብሪ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮን ኣፍራስን ንምዝካር ዝተሰየመ መዘከርታ፣ ማእኸል ሓድነት፣ መዘከርታ ናፅነት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ጉዕዞ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያንን 5 መእተው በሪታትን ከምዘለዉዎ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ እቲ ምምሕዳር ከተማ ሓዊሱ ልዕሊ 2 ሺሕ ሰባት ዘተኣናግድ ኣዳራሽ፣ 1 ሺሕ መኻይን ዘተኣናግድ መቖሚ መኪናን መዘናግዒ ቦታን ኣለዉዎ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.