Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ሰራዊት መበል 23 ክፍለ ጦር ኣብ ምርግጋፅ ድሕንነት ግድብ ህዳሰን ከባቢኡን ግቡእ ሓለዋ እናገበሩ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላት ሰራዊት እዚ ምዕራብ መበል 23 ክፍለ ጦር ኣብ ምርግጋፅ ድሕንነት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ከባቢኡን ከምቲ ልሙድ ብትግሃት እናሰርሑ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።

ካብ ሞንጎ ኣባላት እቲ ክፈለ ጦር ሌተናል ኮሎኔል ወንድሙ ሃብቴ ከምዝገለፁዎ፥ መብዛሕተኦም ኣባላት መበል 23 ክፍለ ጦር ንስር ን21 ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ደጀን ህዝቢ ኮይኖም ዘገልገሉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እቶም ሌተናል ኮሎኔል፥ “ሰራዊት ምክልኻል ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ለይቲን ቀትሪን ብደሙ፣ ጉልበቱ፣ ገንዘቡን ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ኩሉ መስዋእትነት ከፊሉ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት እዚ ሰሜን ዘብፀሖ ግፍዒ ዝተመልኦ ጨፍጫፍ፥ ብፍፁም ነቲ ሰራዊት ዘይምጥን፣ ኣረሜናዊን ክኹነን ዝግበኦን ተግባር ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣባል እቲ ክፍለ ጦር ምክትል ሓለቓ ዓሰርተ ገነት ቢቂላ ብግደኣ፥ “ኣብ ሃገርና ሰላም እናስአነ ዝነበረ ጁንታ ህወሓት ናብ ሕጊ ንኽቐርብ ዝጀመርናዮ ወፍሪ ብዓወት ክንዋፃእ ኢና” ኢላ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣባላት እቲ ጁንታ ህወሓት ኣቃሊዑ ብመሃብ ነቲ ሰራዊት ዘለዎ ክብሪ ንኸርኢ ፀዊዓ።

ግድብ ህዳሰ ኣብ ፍፃመ ክሳብ ዝበፅሕ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ንምግባር ከምዝተዳለዉ ብምግላፅ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕሮጀክት መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዝብገስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኣይንዕገስን” እውን ኢላ።

“ኣብ እዚ ሰሜን ኣባላትና ዝተፈጠረ ማስዋእትነት ዝፈጠረልና ሕራነ ተወሳኺ ወነን ጉልበት ኮይኑና ኢዩ” ዝበሉ ሻምበል ሄኖክ ተኽለማርያም ብግድኦም፥ ተለኣኣኽቲ እቲ ጁንታ ኣብ ዞባ መተከል ከባቢ እቲ ግድብ ንምህዋኽ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ንምኽሻፍ እናሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፁ።

ኣዛዚ መበል 23 ክፍለ ጦር ንስር ብርጋዴር ጀነራል ነገሪ ቶሊና፥ ሕብረተሰብ ንሰራዊት ምክልኃል ሃገር ዘርአዮ ክብሪ ንዝበለፀ ሓላፍነት ኣለዓጨዒሉዎ ኢዩ ኢሎም፡፡

“እቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ውሽጣዊ ሓድነትና ንምፍራስ ብዝተልዓሉ ጉጅለታት ዝተወጠነ ሽርሒ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ኣዛዚ፥ ሰራዊት ምክልኻል ህዝባዊ ወገናዊነት ዝተሓንገጠ ስለዝኾነ እቲ ሽርሒ ከምዝፈሸለ ገሊጾም፡፡

ግድብ ህዳሰ ህልውና ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ “እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያዊ ሓድነትና ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ንዓለም ኣጉሊሁ ዘርአየ ኢዩ” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.