Fana: At a Speed of Life!

ኣሸንዳ፤ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ስልጡን ዴሞክራሲያዊ ነቐፌታን ሓሳብካ ብጥበብ ትገልፀሉን መዓልቲ ናፃነት ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሸንዳ፤ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ስልጡን ዴሞክራሲያዊ ነቐፌታን ሓሳብካ ብጥበብ ትገልፀሉን መዓልቲ ናፃነት ከምዝኾነ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ገሊፆም።

ዓበይቲ ዓድን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተሳተፍሉ ኣብ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ 2016 ዓ.ም ዝጠመተ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣይተ ሃይላይ በየነ ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ በዓል ኣሸንዳ ናይ ብዙሕ ዓመታት ታሪኽን ትውፊትን ድምር ውፅኢትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ዝመፅን በዓል ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

በዓል ኣሸንዳ እዚ ዓመት፤ ንኽብሪ ኣሸንዳ፣ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ኢሉ እውን ብሩህ መፃኢ ትግራይ ኣንፈት እንእንፍተሉ ክኸውን ዓሊሙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም ።

“በዓል ኣሸንዳ ፀገማትና ሱልጡን ብዝኾነ መንገዲ ዝፍትሓሉ፣ ሓድነትና እነጠናኽረሉ፣ ኢኮኖማዊ ረብሓኡ እንውስኸሉን ባህላውን ሃይማኖታዊ መሰረቱ ብዝሓለወ ምክዑ ዝኽበረሉ ክኸውን ይግባእ” ክብሉ መልእኸቶም ኣሕሊፎም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝተሳተፉ እንትኾኑ÷ ምስ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ዝተተሓሓዙ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ ዘተ እናተገበረሉ ይርከብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.