Fana: At a Speed of Life!

ኣሸባሪ ሸኔ ዘውግዝ ሰልፊ ኣብ ምዕራብ ኣሩሲን ቦረናን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣  15 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሸባሪ ሸኔ ዘውግዝ ሰልፊ ኣብ ምዕራብ ኣሩሲን ቦረናን ተኻይዱ።

ኣብቲ ሰልፊ ናይቲ ጉጅለ ጥፍኣት ተግባራት ዘውግዙ መፈክራት ተሰሚዖም።

ናይ ግብረ ራዕዲታት ሸኔን ህወሓትን ጥምረት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝተገበረ ስምምዕነት ብምዃኑ ዕድመኦም ንምሕፃር ኣብ ጎኒ መከላለከያ ደው ክንብል ኢና ኢሎም እቶም ሰልፈኛታት።

ናይ ምዕራብ ኣርሲ ዞባ ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ኣይተ ኣብድረሃማን ገመዳ፥ ብዓዕፅምቲን ደምን ተጋደልቲ ኦሮሞ ደው ኢሉ ምስ ህወሓት ብዕሊ ዝጀመሮ ጥምረት ሸኔ ናይ ኦሮሞ ፀላኢ ከምዝኾነ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ከልቲኦም ግብረ ራዕዲ ዕድመኦም ንምሕፃር ብዝበለፀ ተሳትፈኦም ከጠናኽሩ ይግባእ እውን ኢሎም።

ብዓዕፅምቲን ደመን ደው ዝበለት ሃገር ብግብረ ራዕዲ ሸኔን ህወሓትን ብፍፁም ኣይትፈርስን እውን ኢሎም እቶም ሰልፈኛታት።

ብቢቂላ ቱፋ ፤ ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ኦቢ ኤን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.