Fana: At a Speed of Life!

ኣሸባሪ ህወሓት ብሓድነት ምምካትን ዘየዳግም ስጉምቲ ብምውሳድ ኢትዮጵያ ምድሓን ይግባእ-ም/ቀ/ሚ ኣይተ ደመቀ መኮነን

 

አዲስ አበባ ፣ ነሐሴ 2 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ኽልለት ኣምሓራን ዓፋርን  ኣሸባሪ ህወሓት ዘብፅሖ ዘሎ ወረራ፣ መጥቃዕቲ፣ ውራን መቕተልቲን ኩሉ ሰብ  ብሓድነት ክምክቶን ዘየዳግም ስጉምቲ ብምውሳድ ኢትዮጵያ ምድሓን ይግባእ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮነን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብአቶ ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ናይ ፌዴራልን ክልልን መንግስቲ ላዕለዎት ናይ ስራ ሃለፍቲ ጉጅለ፣ ናይ ብልፅግና ፓርቲ ዋና ፅሕፈት ቤት ሃላፊ ኣይተ ብናልፍ አንዷለምን ወሲኹ ኣብ ጋይንት ጨጨኾ አንፈት ኣብ መቄት ወረዳ ደብረ~ዘቢጥ ከባቢ  ጉብኝት አካይዶም።

ኣብቲ ከባቢ ወረራ፣ መጥቃዕቲ፣ ዘረፋን መቕተልቲን ዘካይድ ዘሎ ኣሸባሪ ሐይሊ ንምምካት ዝተሰለፈ ናይ መከላከያ ሰራዊት፣ ፍሉይ ሓይሊ፣ ናይ ሚሊን ፋኖን አወዳድባምንቅስቓስ ቡድኑ ኣብቲ ጉብኝት ሪኡ።

በቢከባቢኡ ዘሎ ማሕበረሰብ ምስ መከላከያ ሰራዊት፣ ፍሉይ ሓይሊ፣ ሚሊሻን ፋኖን ብምዃን ሃገር ናይ ምድሓን ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ዝንኣድ ከምዝኾነ ኣቶ ደመቀ ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ኽልላት ኣምሓራን ዓፋርን  ኣሸባሪ ህወሓት ዘብፅሖ ዘሎ ወረራ፣ መጥቃዕቲ፣ ውራን መቕተልቲን ኩሉ ሰብ  ብሓድነት ክምክቶን ዘየዳግም ስጉምቲ ብምውሳድ ኢትዮጵያ ምድሓን ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.