Fana: At a Speed of Life!

ኣሶሴሽን ትራቭል ጀርመን ስፍራታት ቱሪስት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሶሴሽን ትራቭል ጀርመን ስፍራታት ቱሪስት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ደልዊ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ፍቃዱ በየነ ምስ ሓላፊ ፖሊሲን ቱሪዝምን  ወፃኢ ኣሶሴሽን ትራቭል ጀርመን ቮልከር ኣዳምስ ዘቲዮም።

ኣምባሳደር ፍቃዱ፥ ኣሶሴሽን ትራቭል ጀርመን ስፍራታት ቱሪስት ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ቱሪዝም ጀርመን ብስፍሓት ንምፍላጥ ንዝግበር ሓገዝ አመስጊኖም።

ዓውዲ ቱሪዝም ኣብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ኢትዮጵያ ካብ መንጎ ዝተቐመጡ ዓውዲታት ትኹረት ሓደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ብብርኪ ሃገር እቲ ዓውዲ ክብ ንምባል ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ቮልከር አዳምስ ብግደኦም፥ ኣሶሴሽን ትራቭል ጀርመን ስፍራታት ቱሪስት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነዚ ድማ 14 ወኪላት ጉዕዞን አሀወፅቲን ትካላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.