Fana: At a Speed of Life!

ኣስዑድ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ሓፂር እዋን ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ሓፂር እዋን ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ – ኣምባሳደር ሌንጮ ባቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣስዑድ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ሓፂር እዋን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ኣብ ሓፂር እዋን ንምምላስ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ብቕርበት እናተሰርሐ ምዃኑ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣፍሊጡ።

በዓል ሙሉእ ስልጣነ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ሌንጮ ባቲ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣቲዮም ኣብ ማእሰርቲን ምንግልታዕን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓፂር እዋን ንምምላስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ብቐረባ ይሰርሕ ኣሎ።

ካብ ስዑድ ዓረብ ዝምለሱ ዜጋታት ብዝምልከት ድሕሪ ምምላሶም ኣብ ፀገም ከይወድቁ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒሰስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዝምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ ምስ ክልላት ብምትሕብባር ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ እውን ኣብሪሆም።

በቶም ኣምባሳደር ዝምራሕ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ዘካተተ ኮሚቴ እውን ኣብቲ ጉዳይ ብምድሃብ ምስ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ብቐረባ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.