Fana: At a Speed of Life!

ኣሱዳን ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣድላዪ ሓገዝ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሱዳን ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ኣድላዪ ሓገዝ እናተገበረ ምዃኑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ እቲ ከባቢ ማእኸል ውግእ ምዃኑ፣ ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት መብራት ምቁራፁን ናውቲ ምግቢ ንምርካብ ይኹን ካብቲ ኤምባሲ ወፂእኻ ምእታው ከምዘይከኣል ተሓቢሩ፡፡

በዚ ኩነታ ዜጋታት ምሕጋዝ ስለዝኸብድን ህልውና ዲፕሎማሰኛታት እውን ኣብ ሓደጋ ስለዘውድቕን ኣብቲ ኤምባሲ ዝተወሰኑ ሰራሕተኛታት ክተርፉ ብምግባር እቶም ኣምባሳደር ሓዊሱ ዝተረፉ ድማ ካብ ገዳሪፍ ስረሖም እናፈፀሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ፡፡

ንዜጋታት ክግበር ዝሕእል ሓገዝ ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.