Fana: At a Speed of Life!

ኣሰራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ንኽሕገዝ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ኣሰራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ንኽሕገዝ እናተሰርሐ ምዃኑ ላዕለዋይ ኢታዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም፡፡

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዋና መምርሒ መራኸቢን ኢንፎርሜሽንን ማዕቢሉ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ሶፍት ዌር ኣመልኪቶም ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሶፍትዌር ዓቕሚ ዘለዎን ዝመፅእ ቴክኖሎጂ ክሽከም ዝኽእልን ኢዩ፡፡

ስርዓት ኣሰራርሓ እቲ ትካል ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ንኽኸውን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ሶፍትዌር ብፍላይ ከይዲ ስርዓት ፍትሒ ኣብ ምዝማን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝለዎ ምሕባሮም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.