Fana: At a Speed of Life!

ኣርጀንቲና፣ ቺለ፣ ኢራጓይን ፓራጓይን ንዋንጫ ዓለም 2030 ብሓባር ብምዃን ንምእንጋድ ሓቲተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ኣርጀንቲና፣ ቺለ፣ ኢራጓይን ፓራጓይን ንዋንጫ ዓለም 2030 ዓ.ም.ፈ ብሓባር ብምዃን ከአንግዳ ዕላዊ ሕቶ ኣቕሪበን።

ዋንጫ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣብ 1930 ኣብ ዝተጀመረሉ ኣብ ኡራጓይ’ዩ ከመዝተኻየደ ይዝከር።

እቲ ኣብ 2030 መበል 100 ዓመቱ ዘቝፅር ዋንጫ ዓለም ኣብቲ ዝተጀመረሉ ኣህጕር ንኸምፅኣኦ ብምትላም እየን እተን ሃገራት ሓባራዊ ሕቶ ኣቕሪበን ዘለዋ።

ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ኣሌሃንድሮ ዶሙኒገዝ “እዚ ሕልሚ ናይዛ ኣህጕርና’ዩ” ኢሎም።

ብኻልእ ገፅ፥፡ስፔንን ፖርቱጋልን’ውን ንዋንጫ ዓለም 2030 ብሓባር ኮይነ ከአንግዳኦ ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ፊፋ ነቲ ብዝተፈላለያ ሃገራት ንዋንጫ ዓለም 2030 ንምእንጋድ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ኣብ 2024’ዩ ውሳነ ክህበሉ።

ፊፋ፥ ኣርጀንቲና፣ ቺለ፣ ኡራጓይን ፓራጓይን ብሓባር ዋንጨ ዓለም ንኸአንግዳ ዘቕረባኦ ሕቶ እንተተቐቢልዎ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ኣርባዕተ ሃገራት ብሓባር ንዋንጫ ዓለም ከአንግዳ ፈላማይ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.