Fana: At a Speed of Life!

ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንፅባሕ እወንታዊ ፍረ ሎሚ ዝዝራእ ዘርኢ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንፅባሕ እወንታዊ ፍረ ሎሚ ዝዝራእ ዘርኢ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ናይ ሰመር ካምፕ ናይ 2024 ሰልጠንቲ ስነ ሰርዓት ምረቓ ብምርካብ ንተመረቕቲ ሰገናትን መናእሰይን ኣተባቢዖም።

ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተፈጠረሉ ዕላማ ዝትግብር ዘሎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ናይ ኢትዮጵያ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ናይ ሰልጠንቲ ቁፅሪ ናብ 200 ልዕል ኣቢሉ ኢዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ናይዛ ሃገር ክፍሊታት ዝመፅኡ 3 ሺሕን 500 ተምሃሮ ተመዝጊቦም መዐቀኒ ዘማልኡ 200 ተምሃሮ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ንክስልጥኑ ከምዝተገበረ ናይ ኢትዮጵያ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዋና ዳይሬክተር ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቲ ስል0ጠና ኣብ ሓሙሽተ ዓውዲታት ከምዝተኻየደ ገሊፆም፤ ኣብቲ ዓውዲ ብቑዕን ተወዳዳሪን ናይ ፍልጠት በዓል ዋና ዝኾኑ መናእሰይ ምፍራይ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.