Fana: At a Speed of Life!

ኣርቲስት ኣሊ ቢራ መምሃሪ ትውልዲ ኢዩ-ሰብ ሙያ ሙዚቃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ክብሪ ዶክተር ኣርቲስት ኣሊ ቢራ መምሃሪ ትውልዲን ኣብ ስራሕቲ ጥበብ ንባዕሉ ኣኽቢሩ ዝነበረ ኢዩ ክብሉ ሰብ ሙያ ሙዚቃ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ማሕበር ሙዚቀኛታት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳዊት ይፍሩ፣ በዓል ሙያ ሙዚቃ ሰርፀፍሬ ስብሀትን ካልኦት ሰብ ሙያ ሙዚቃን ኣብ መርሃ ግብሪ ምፍናው ኣስከሬን ኣርቲስት ኣሊ ቢራ በምርካብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዶክተር ዳዊት ይፍሩኣብ መልእኽቶም÷ ኣርቲስት ኣሊ ቢራ ጥበብ ከመይ ከምዝስራሕ፣ ከምዝፀሓፍን ከምዝቐርብን ኣርእዩና ኢዩ ኢሎም።

ዓብዪ ትምህርቲ ከምዝሃበ እወነ ገሊፆም።

ሰርፀፍሬ ስብሀት ብግድኡ፥ ኣርቲስት ኣሊ ቢራ መምሃሪ ኩሎም ትውልዲታት ኢዩ ኢሉ።

ኣርቲስት አሊ ቢራ ናይ ባዕሉ ሙዚቃታት እንትፅሕፍን እንተቀነባብርን ከምዝነበረ ተዛሪቡ።

ንዓብዪን ንኡስን ዘኽብር ፍሉይ ናይ ጥበብ ሰብ ከምዝነበረ ድማ ድምፃዊ መሐሙድ አህመድ ገሊፁ።

ብየሻምበል ምህረት

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.