Fana: At a Speed of Life!

ኣሩዋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት 109 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ምዕራባዊ ሩዋንዳ ዝወቕዐዝናብ ስዒቡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ክሳብ ሕዚ ህይወት 109 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ኣብ ከባቢ ምዕራባዊ ሩዋንዳ ዝርከብ ሩባ ሴቤያ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ካብቲ ሓደጋ ውሕጅ ብተወሳኺ ምግህማስ መሬት ከምዘጋጠመ እውን ተገሊፁ፡፡

ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነዉ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣመሓዳሪ ምዕራባዊ ግዝኣት ሩዋንዳ ፍራንኮይስ ሃቢቴጌኮ ንሬውተርስ ከምዝገለፁዎ÷ ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ስረሖም እናሰርሑ ይርከቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.