‹‹ኣምኒስቲ ኢንትርናሽናል ናይ ባዕለይ ፎቶግራፍ ንዝተስሓተ ሓበሬታ ተጠቒሞምሉ›› -ፎቶ ግራፈር ኣማኑኤል ስለሺ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወለድቲ ትግራይ ብዝምልከት መንግስቲ ንምውንጃል ዝተጠቐመሉ ፎቶ ሓሰተኛ ምዃኑ ተጋሊፁ።
ናይ ኣጃንስ ፍራንስ ፕሬስ ጋዜጠኛ ፎቶግራፍ ዝኾነ ኣማኑኤል ስለሺ ኣብ ትውተር ገፁ ከምዝገለፆ፤ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ንምስታፍ ናብ መረፃ ጣብያ ዚምርሑ መረፅቲ ብፀጥታ ሓይሊ ፈተሻ እንትግበረሎም ዘርኢ እዩ ኢሉ።
እዚ ፎቶ ግራፍ ኣነ ንኣጃስ ፍራንስ ፕሬስ ዘልዐልክዎ እዩ ዝበለ እቲ ጋዜጠኛ፤ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ብዝተስሓሓተ መገዲ ከምተጠቐመሉ ከምዘሕዘኖ ተዛሪቡ።
እቲ ድርጊት ካብቲ ሞያ ስነምግባር ዘፈንገጠን ስሕተትን እዩ ክብል ዝገለፀ ኣማኑኤል እቲ ትካል ነቲ ፎቶግራፍ ከልዕሎ ሓቲቱ ክብል ኢ.ፕ.ድ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።